Unity for Development of Raya
እዚ ማሕበር ዕላማኡ ብሙያይ ገንዘብይ ትሓገዘ ትፈላለዩ መነባብሮ ሕብረተሰብና ድምቕያር ልምዓታዊ ስራሕቲ ምስራሕ ይኡ።
ናማሕበሩ ዕላማ:-
- 1. ኣፍቲ ዞባ ድግነዩ ትፈላለዩ ሃፍተ ገነታት ኣብ ጥቕሚ ድምዉዓል ድስርሑ ናልምዓት ስራሕቲ ብሙያ፣ብንብረትይ ሃምኡ ደማ ብገንዘብ ትፈላለዩ ሓገዛት ምግባር።
- 2. መንግስቲ ኣብ ድሕንፅፆም ናትምህርቲ፣ጥዕና፣ግብርና ይኹን ኻልኣት ዓይነት ስራሕቲ ኣብ ምትግባር ሓገዝ ምግባርይ ድሐሸ ኣፈፃፅማ ድንሀዎም ሰባት ደማ ሽልማት ምሃብ።
- 3. ማሕበራዊ ትካላት ድምስራሕ ናገንዘብይ ናምምኻርይ ትፋላለዩ ሓገዛት ምግባር።
- 4. ኣፍቲ ዞባ ድግነዩ ምሩፃት ጨገረይታ ከፍቲ ምዕቃብይ ድግነ ጥቕሚ ደማ ብቴክኖሎጂ ሓግዝኻ ድሐሸ ደረጃ ክበፅሕ ሓገዝ ምግባር።
- 5. ኣፍቲ ዞባ ድነሀዩይ ዳጋጥሙይ ናምህርቲ ምዕባይ፣ናጥዕናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ሓለያይ ሽግራት ድምፍታሕ ዳድልዩ ቴክኖሎጂታት ድምልማድይ ድምሽግጋርይ ዳድሊ ናዓቕሚ መዕበዪ ስልጠናታትይ ምኽርታትይ ምስ ድምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ምሃብ።
- 6. ድትፈላለዩ ፍሉይ ሓገዝ ዳድልዮም ኣካላት ሕብረተሰብ ድምሕጋዝ ፕሮጀክታት ቓርፅኻ ተግባራዊ ምግባር።
- 7. ኣብ ሳይንስይ ቴክኖሎጅይ ድሐሸ ድልየትይ ናፈጠራ ኽእለትይ ድነሀዎም ሰባት ምሕጋዝ።
- 8. ኣብ መምህራን፣ሰብ ሙያ ጥዕና ይኹን ኻልኦት ሙያታት ድነሆ ናፍልጠት፣ ናኣመለኻኽታ ይኹን ናኽእለት ክፍተት ብምፍላይ ምስ ድምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ትፈላለዩ ስልጠናታት ምሃብይ ውፅእቱ ምግምጋምይ።
- 9. ደቦላት (መናእሰይ)ይኹኑ ኣጓላት (ደቂ ኣንእስትዮ) ዳብ ዓዲ ዓረብ ብስደት ላጎረፉ ስለድኾነ ኣብ ዓድኻ ሰርሕኻ ምቕያር ሃምድከኣል ኹሉሻዕ ብምምኻር ስደት ቓንስኻ መፍረዪ ሓይሊ ድምፍጣር ናስራሕ ፈጠራ ግንዛበ መዕበይ ስልጠናታት ምሃብ።
- 10. ኣብ መንግስታዊ ይኹን ናግሊ ሚድያታት ማሕበራዊ ሚድያ ወስኹ ብምንጣፍይ ዓርሱ ድኽኣለ ብናራያ ለዛ ድመሓላለፍ ኣብ ጉዳይ ራያ ኣያምታ ድገብር መደባት ብምጅማር ድሐሸ ትበፃሕነት ሓሳብ ክህልይ ብምግባር ናምብርባር ስራሕቲ ምስራሕይ ኣብቲ ማሕበረሰብ ድረአዩ ክፍተታት ደማ ብሚድያ ኣብልኻ ክቕንሱ ምግባር።